ክፍሊት ንጥፈታት ደቅኹም ብFritidskortet (ፍሪኩርተት) ጌርኩም ክፈልዎ።
ጽቡቕ ንኽስምዓካ ኣብ ናጻ ግዜኻ ዘዘናግዑ ነገራት ምግባር ኣገዳሲ እዩ። Fritidskortet ደቅኻ ኣብ ናጻ ግዜኦም ንዝገብርዎ ንጥፈታት ንምኽፋል ክትጥቀመሉ እትኽእል ገንዘብ እዩ።
ነፍሲ ወከፍ ቈልዓ ኣብ ዓመት 550 ክሮነር ይወሃቦ። እዚ እቲ ቈልዓ ካብታ 6 ዓመት ዝመልኣላ ዓመት ክሳብ እቲ ቈልዓ 16 ዓመት ዝመልኣላ ዓመት የገልግል። ስድራ ቤትካ ዝሓለፈ ዓመት ሓገዝ ክራይ ገዛ (bostadsbidrag) ወይ ተወሳኺ ሓገዝ ክራይ ገዛ (bostadstillägg) ተዋሂብዎም እንተ ነይሩ፡ ዓመታዊ ንሓደ ቈልዓ 2500 ክሮነር ክትወሃቡ ትኽእሉ ኢኹም።
ብሓባር ዘይትነብሩ እንተኾይንኩም፡ እቲ ቈልዓ ምስኡ ከም ዝነብር ኣብ ህዝባዊ መዝገብ ዝተመዝገበሉ ወላዲ እዩ በዚ Fritidskortet (ፍሪኩርተት) ክኸፍል ዝኽእል።
ከምዚ ዝስዕብ ጌርካ ንFritidskortet (ፍሪኩርተት) ትጥቀመሉ
1. ንውላድካ ኣብ ሓደ ንጥፈት ኣመዝግቦ
ንሓደ ኣብ Fritidskortet (ፍሪኩርተት) እቱው ዝኾነ ማሕበር ወይ ቤት ትምህርቲ ባህሊ ምረጽ። እቲ ማሕበር ወይ ቤት ትምህርቲ ባህሊ እቱው ምዃኑ ንምርኣይ ኣብ fritidskortet.se ኣቲኻ ብስም እቲ ማሕበር ወይ ቤት ትምህርቲ ድለ። ወይ ድማ ነቲ ማሕበር ተወከሶ።
2. እቲ ቈልዓ ተቐባልነት እንተረኺቡ መልሲ ተጸበ፡ ፋክቱር ክሳብ ዝመጸካ እውን ተጸበ።
ነቲ ቈልዓ ኣብቲ ንጥፈት ምስ ተቐበልዎን ካብቲ ማሕበር ፋክቱራ ምስ መጸካን ብFritidskortet ጌርካ ክትከፍል ትኽእል ኢኻ።
እቲ ማሕበር ፋክቱራታት እንተዘይሰዲዱ፡ ካብቲ ማሕበር እዚ ዝስዕብ ሓበሬታ ክትረክብ ከድለያ እዩ፦
· ናይ ተቐባሊ ቁጽሪ ሕሳብ።
· ቁጽሪ OCR (መወከሲ ቁጽሪ) ወይ ክትከፍል ከለኻ እትጽሕፎ መልእኽቲ።
3. Fritidskortet ጌርካ ክፈል
እቲ ማሕበር ናይ ገዛእ ርእሱ ናይ ክፍሊት ስርዓት ምስ ዝህልዎ፡ ብFritidskortet ጌርካ ክትከፍል ከለካ ንዕኡ ክትጥቀም ኣለካ። እቲ ማሕበር ናይ ገዛእ ርእሱ ናይ ክፍሊት ስርዓት ምስ ዘይህልዎ፡ ኣብ fritidskortet.se ኣቲኻ ኣብኡ Fritidskortet ተጠቂምካ ክፈል።
ብFritidskortet እንታይ ዓይነት ንጥፈታት ክትከፍል ትኽእል?
ነቶም ብመራሒ ወይ ዓላሚ ዝምርሑን ብስሩዕ ዝካየዱን ንጥፈታት Fritidskortet ክትጥቀም ትኽእል ኢኻ። ሓደ ብስሩዕ ዝግበር ንጥፈት እንተ ነውሓ ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ ወርሒ እንተወሓደ ሽዱሽተ ግዜ ይፍጸም። ዝተፈላለዩ ስፖርትታት፡ ዝተወደበ ንጥፈታት ኣብ ተፈጥሮ፡ ሙዚቃ ወይ ሳዕስዒት ኣብ ቤት ትምህርቲ ባህሊ ኣብነታት ናይዞም ንጥፈታት እዮም።
Fritidskortet ንምኽፋል ክትጥቀመሉ ትኽእል ኢኻ።
· ንማሕበራት ስፖርት፡ ንማሕበራት ግዳማዊ ንጥፈታት ወይ ንኣብያተ ትምህርቲ ባህሊ (ንኣብነት ናይ ልምምድ ክፍሊት፡ ናይ ተሳትፎ ክፍሊት ወይ ማሕበርተኛ ክፍሊት) ንምኽፋል ክትጥቀመሉ ትኽእል ኢኻ።
· እቲ ቈልዓ ኣብቲ ንጥፈት ክሳተፍ ንኽኽእል ዘድልዩ መሳርሒታት ወይ ሓጋዚ ናውቲ ክራይ። እዚ ንኣብነት ንትምህርቲ ሙዚቃ ጊታር ንምክራይ ወይ ድማ ኣብ ፓራ-ስኪንግ (paraskidåkning) ንምስታፍ ኮፍ ኢልካ ትወዳደረሉ መንሸራተቲ ኣብ በረድ (sittskidor) ምክራይ ክኸውን ይኽእል።
ኣብ ዝኾነ እዋን ብFritidskortet ክኸፍል እኽእል ድየ?
ኣብ መንጎ 5 ጥሪን 30 ሕዳርን ዘሎ ግዜ ብFritidskortet ክትከፍል ትኽእል ኢኻ። እዚ ነቶም
· ኣብ ውሽጢ እዚ ዓመት ዝተወድኡ
· ገና ሕጂ ዝካየዱ ዘለዉ
· ኣብ መወዳእታ ናይዚ ዓመት ወይ ዝመጽእ ዓመት ዝጅምሩ ናይ ናጻ ግዜ ንጥፈታት ይምልከት።
ብኸመይን መዓስን ብFritidskortet ክትከፍል ከም ዘለካ ካብቲ ናይ ንጥፈታት ሓላፍነት ዘለዎ ማሕበር ወይ ቤት ትምህርቲ ባህሊ ሓበሬታ ክትረክብ ኢኻ።
ነቲ ኣብ Fritidskortet ዘሎ ገንዘብ ክሳብ 30 ሕዳር ክትጥቀመሉ ትኽእል ኢኻ። ነቲ ገንዘብ ንዝመጽእ ዓመት ከተዋህልሎ ኣይትኽእልን ኢኻ።
ካብ ኣስተርጓሚ ሓገዝ የድልየካ ድዩ?
ኣስተርጓሚ ንምግባር ናብ ቁጽሪ ተሌፎን 0771-18 19 18 ክትድውል ትኽእል ኢኻ። እቶም ዝምልሱ ሰራሕተኛታት ሽወደንኛን እንግሊዝኛን ዝዛረቡ ኮይኖም ናብ ቋንቋኻ ኣስተርጓሚ ንምሓዝ ክሕግዙኻ ይኽእሉ እዮም።